Fana: At a Speed of Life!

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቦይንግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰጒጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ ካብ ሓላፍነቶም ተሰጒጎም።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ኩባንያ ዝሐሸ ዓርሰ-እምነት ንክፈጥር ክሕግዞ እዩ ተባሂሉ።

ግዚያዊ ኣቦ -መንበር እቲ ኩባንያ ኮይኖም ዝፀንሑ ዴቪድ ካልሁን፥ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 13 ጥሪ ጀሚሮም ነቲ ሓላፍነት ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ነፋሪት ትርከበን ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ምስኣጋጠመን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካብ ሓላፍነቶም ንክለዓሉ ሕቶታት ክቐርበሎም ፀኒሑ ኢዩ።

ብድሕሪ’ቶም ሓደጋታት እተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ከይንቀሳቐሳ ከምዝተኣገዳ ይዝከር።

ብትእዛዝ ዝተፈላለዩ መገዲ ኣየራት ዓለም፥ ኣብ ህንፀት ዝነበራ ዓይነታት ቦይንግ ማክስ ድማ ስራሕተን ክቋረፃ ከምዝገበረ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ትማሊ መዓልቲ ዝወፅአ መግለፂ ቦይንግ፥ እቲ ኩባንያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮም ርክባት ከም ብሓድሽ ንምጅማር ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ከምዘድሊ ኣባላት ቦርድ እቲ ኩባንያ ከምዝወሰኑ የመልክት።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.