Fana: At a Speed of Life!

ዋጋ ዕዳጋ ንምርግጋዕ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕድጊት ስርናይን ዘይቲን ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተረጋገአ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዕሳል ዝቕባበ ዋጋ ንምቁፅፃርን ዋጋ ዕዳጋ ንምርግጋእን ረብሓ ዘለዎ 4 ሚሊየን ኩንታል ስርናይን 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒን ዕድጊት ክዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልቲ ሚኒስቴር ገንዘብን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ከምዝተገለፀ፥ ኣብ ዝሓለፉ ጥቅምቲን ሕዳርን ኣዋርሕ ዕድጊት 4 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚ ልዕሊ 1 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ናብ ሃገር ከምዝኣተወን ዋጋ ዕዳጋ ስርናይ ከይውስኽ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዘለዎን ተገሊፁ፡፡

ዝተረፈ ድማ ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ተጋዒዙ ናብ ሃገር ከምዝኣቱ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ገምጋም፥ ዕድጊት 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ተፈፂሙ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ኣብ ከይዲ ከምዝኾነ ተመልኪቲ፡፡

ምስዚ ተተሓዙ  ድማ ዘይቲ ብልዒን ሕሩጭን ካብ ወፃኢ ብፍራንኮ ቫሉታ ማለት እውን ኣምፃእቲ ብናይ ባዕሎም ሸርፊ ወፃኢ ንኸእትዉ ብምግባሩ ዋጋ ሸቐጣት ብዘለዎ ንኽቕፅል ከምዘኽኣለ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.