Fana: At a Speed of Life!

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዘሰጋግሮ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዘሰጋግሮ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ተዛሪቦም

እቶም ኣምባሳደር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ስልኪ ፃንሒት፥ እቲ ዑደት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከጠናኽሮ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ።

ብእንግዶት ፕዚዳንት ደቡብ ኣፍካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ንኽልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዑደቶም፥ ብብርኪ መራሕቲን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ገሊፆም።

ብተወሳኺ፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከምዝዛተዩ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘልዕሉዎም ሕቶታት፥ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ግቡእ መልሲ ንኽህበሎም ፃዕሪ ክገብሩ ኢዮም እውን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ስታዲየም ኢምፔሪያል ወንደረርስ ምስ ህዝቢ ንክራኸቡ ኣድላዪ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ኣምባሳደር ዶክተር ሽፈራው ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.