Fana: At a Speed of Life!

ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ልዕሊ 539 ሚልየን ብር ትርፊ ምርካቡ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ኣብዛ ሃገር ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምፅዋር ልዕሊ 539 ሚልየን ብር ትርፊ ምርካቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ነዚ ዘፍለጠ ኣፈፃፃማ ስራሕ 2011 ዓ/ም ብዝምልከት ምስ ሰብ ዋና ኣክስዮን፣ ማሕበረሰብ ንግድን መድረግቲ ኣካላትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሳለጦ ሓፈሻዊ ኣኼባ እዩ።

ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዝነበረ ሃገራዊ ኩነታት ዘይምዕሩይ ቁጠባ ንዘፈር ፋይናንስ ዓብዪ ፅልዋ ፈጢሩ ምሕላፉ ዝገለፁ ዳይሬክተር ቦርድ ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና፥ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ዕዙዝ ምንባሩ ሓቢሮም።

በዚ ድማ እቲ ባንኪ ልዕሊ ፍርቂ ቢልየን ብር ማለት እውን ኣብ ሕሉፍ ዓመት ካብ ዝረኸቦ ንላዕሊ መኽሰብ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም።

ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ንኣስታት 5 ሽሕ ሰራሕተኛታት ብቐዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ብወገኖም፥ 229 ጨናፍር ባንኪታት ከምዘለዉዎን ካብዚኦም ፍርቂ ዝኾኑ ጨናፍር ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

ኣብ 2012 ዓ/ም ጠቕላላ ሃፍቲ ባንኪ ኣንበሳ ልዕሊ 23 ቢልየን ብር በፂሑ ከምዘሎን ዝተፋላለዩ ስራሕቲ ብምድጋፍ ዘንቀሳቕሶ ገንዘብ ብምዉሳኽ እቶቱ ናብ ልዕሊ 3 ቢልየን ብር ንምብፃሕ ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ጠቕላላ ዓማዊሉ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ካብዝነበረ ልዕሊ 590 ሽሕ ናብ ኣስታት 800 ሽሕ በፂሑ ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦Tigray Mass Media Agency

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.