Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ይግባእ – ቢለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬስ ሴክሬታሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢለኔ ስዩም ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒትግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢኮኖሚኡ፣ ፖለቲክኡን ሓይሊ ምክልኻልን ተቖፃፂሩ ዝፀንሐ ኣምባገነንን ጨፍጫፊን ጉጅለ ከምዝነበረ ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ምስተወገደ ፃምእ ስልጣኑ ኣንሳዕሪሩዎ ከምብሓዱሽ ናብ ስልጣን ንምምፃ ኲናት ከምዝጀመረ ዝገለፃ እተን ፕሬስ ሴክሬታሪ፥ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ግን ንህዝቢ ትግራይ ይሰርሕ ኣለኹ ከምዝብል ገሊፀን።

ካብዚ ብተፃራሪ ግን ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘሓለፉ 30 ዓመታት ዝኣተዉዎም ኲናታት ቀንዲ ምኽንያቱ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝኾ ኣገንዚበን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ናብ ጅቡቲን ኣዲስ ኣበባን ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምግታእ ኢትዮጵያውያን ንኽዘምቱ ፃውዒት ከምዘቕረቡ እውን ተዛሪበን።

ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ “እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብሓደ ወገን ሓድነት ንምዕሳል ክሰርሕ ኢየ ይብሉ፤ ብኻኪእ ወገን ግን ኢትዮጵያ ትፈርስ ኣላ፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሌቶም እዚ ድዩ?፤ እቲ ዝኸፍአ ኲናት ደው ነምባል ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ የተኣላልሹ ዶ ኣለዉ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪበን።

ቢለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ ድማ ኢትዮጵያ ትፈርስ ኣላ ዝብል ምፍራጅ ትኽክል ከምዘይኮነን እቲ ኲናት እናተኻየደ ዝርከብ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከምዝኾነ ፀሪሐን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዜጋታት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ካብ ዝኣወጆ ኲናት ንምክልኻልዕሪ እናገበሩ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሀን፤ ብትኽክል እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድነት ንምምፃእ ኢዮም እናሰርሑ ዝርከቡ ኢለን።

ንዘሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ነቲ ጉጅለ ፃውዒት ሰላም እናተገበረሉ ከምዝፀንሐ ኣብ ምላሸን ኣዘኻኺረን።

አያይዘውም አሁን ላይ ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ በጦር ግንባር እንደሚገኙና ግንባር ሆነው አመራር እየሰጡ መሆኑንም ገልጸዋል።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግምባር ኮይኖም እናመርሑዎ ብዝርከቡ ኲናት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሓደን መወዳእታ እዋንን ተደምሲሱ ድሕሪ ሕዚ ስግኣት ኢትዮጵያ ከይኸውን ንምግባር ዝዓለመ ወፍሪ እናተኻየደ ከምዝርከብ እተን ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣፍሊጠን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባር ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ከምዘውፀአ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ክሳብ 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝ እናሸፈነ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ይኹን እምበር እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝተጎድኡ ወገናት ከይበፅ ህወሓት ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኢየን ዝገለፃ።

ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባን ንኢትዮጵያ ዝሓስብ የለን ዝበላ ቢለኔ ስዩም፥ “ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እዚ ኣፀጋሚ እዋን ከምንሳገሮ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያን ብሕገ-መንግስታዊ መረፃ ዝተመረፀ መንግስቲን ጠጠው ክብል ይግባእ” ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.