Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ንከተማ ባህርዳር ብር 42 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ብር 42 ሚሊየን ንከተማ ባህርዳር ሓገዝ ገይሩ።

ኣብቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣድሂቡ ድማ፥ መተሓባበሪ ግብረ ሓይሊ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረሰ ኮረና ዶክተር ሙሉነሽ ኣበበ፣ ሓላፊ ቢሮ ገንዘብን ኢኮኖሚ ልምዓትን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ከተማን ክፍለ ከተማታትን ባህርዳር ኣብ ዝተረኸቡሉ ዘተ ተኻይዱ።

መካየዲ ስራሕ ትካል መድሕን ህፃናት ምዕራብ ኣምሓራ ሙሉቀን እማኙ፥ እቲ ትካል ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ኢትዮጵያ ማለት እውን ኣዲስ ኣበባ፣ ባህርዳር፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ፣ ኣዳማን ጅግጀጋን ንዝርከቡ ዜጋታት ከም ምግቢ፣ ማይን ጥዕናን ዝበሉ ዘፈራት ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝበለፀ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ብር 42 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም።

በቲ ዝተገበረ ሓገዝ 5 ሸሕን 536 ገባራት ከምኡ እውን 22 ሺሕን 144 ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ እቶም መካየደ ስራሕ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.