Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ እኒ ኣይተ እስክንድር ነጋ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ምስማዕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ላእለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ እኒ ኣይተ እስክንድር ነጋ ብዝተጠርሩዎ ገበን ምልዕዓል ጎንፂ ሕድሕድን ሃይማኖትን መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ንመጋባእያ ኣመዝጊቡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ መበል 3ይ፣ 5ይ፣ 6ይን 7ይን ታራ ቑፅሪታት ዝተመዝገቡ መሰኻኽር ቀሪቦም።

እኒ ኣይተ እስክንድር 6 ሓምለ 2012 ዓ.ም ጠበቐኦም ኣይንደሊን ኢሎም ምስንባቶም ስዒቡ ቤት ፍርዲ ሕገ-መገ-መንግስታዊ መሰሎም ንክሕሎ ብመንግስቲ ተኸላኻሊ ጠበቓ ዝቖመሎምን ንሎሚ መዓልቲ መስክር ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ ዝነበረን እንትኸውን፥ እኒ አይተ እስክንድር ግን ሕዚ እውን ዝተመደበሎም ተበቓ ኣይንደሊን ክብሉ ኣሰናቢቶም።

ተኸላኻሊ ጠበቓ ብግደኡ፥ “ተጠርጠርቲ ንምምኻር ዋላ እንተፈተንኩ ኣይንደሊን ጠበቓ ክህልወና ናይ ምግባር ዓቕሚ ስለዘይብልና ኣይኮነን ስለዝበሉ ቤት ፍርዲ ነዙይ ሰሚዑ የሰናብተኒ ክብሉ ንቤት ፍርዲ ስምዕታ ብምቕራቦም ቤት ፍርዲ እውን ኣሰናቢቱዎም።

ብመሰረት እዚ ተጠርጠርቲ ሕዚ ኣብ ዘለዉሉ መጋባእያ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦም መሰኻኽር ምስማዕ ጀሚሩ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.