Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ልምዓት ኢትዮጵያ ንዓወት ልምዓት ኣፍሪካ ቁልፊ ምዃኑ ፕዚዳንት ባንኪ ዓለም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ልምዓት ኢትዮጵያ ንዓወት ልምዓት ኣፍሪካ ቁልፊ ምዃኑ ፕዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዘፅደቖ ሓገዝ 250 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዲክተር ኣቢይ ኣሓመድ ከምዝተዛተዩ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ትገብሮ ዘተ ዘላቑ ክትገብር ከምዝግባእ ኣብ ፅሑፎም ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዝካፈለኦ ሃፍቲ ማይ ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሓገዝ ስምምዕነት 250 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ትማሊ ምፍርራመን ይዝከር።

ካብ ውሽጢ እዚ እቲ 125 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብመልክዕ ልቓሕ እንትኸውን፥ እቲ 125 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ድማ ብመልክዕ ሓገዝ ዝልቀቕ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵ ግደ ዘፈር ውልቀ ብምስፍሕፋሕ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንኸንሳዕርርን ዘላቒ ልምዓት ንምምፃእን ዝሕግዝ ምዃኑ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ብምዕባይን ሰናይ ምምሕዳር ብምዕሳልን ስግግር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.