Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገር ንላዕሊ ዝርእይዎ ኣጀንዳ ዘይምህላዉ ዘረእይ ኢዩ-ምሁራን ታሪክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገር ንላዕሊ ዝርእይዎ ኣጀንዳ ዘይምህላዉ ዘረእይ ኢዩ ክብሉ ምሁራን ታሪክ ገሊፆም።

ጋዜጠኛን ፀሓፊ ታሪክን ተሾመ ብርሃኑ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ዓወት ዓድዋ ፍልፍል ኩርዓት ኢትዮጵያዊያን፣ ንኣፍሪካዊያን ድማ ፍርሒን ጭንቀትን ዘወገደ ኢዩ ኢሎም።

በዓል ሞያ መፅናዕቲን ምርምርን ረዳት ፕሮፌሰር ኣደም ካሚል ብግደኦም፥ ወፍሪ ዓድዋ ኣፍሪካውያን ካብ ድቃሶም ዝነቕነቐ፣ ናይ ምኽኣል ዓቕሚ ንዓለም ዘርኣየ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

ምኽኒያት እቲ ዓወት ናይ ህዝቢ ሓድነት ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ብሃይማኖት ወንዲራድ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.