Fana: At a Speed of Life!

ዕድጊት ነዳዲ ሙሉእ ብሙሉእ ብኤሌክትሮኒክስ ስርዓት ክፍሊት ምፍፃም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕድጊት ነዳዲ ሙሉእ ብሙሉእ ብኤሌክትሮኒክስ ስርዓት ክፍሊት ምፍፃም ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ሚኒስቴር ንግድዲን ዞባዊ ምትእስሳርን እቲ ስርዓት ክፍሊት ዝጅመረሉ ሓፈሻዊ ከይዲ ኣመልኪቶም ብሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ንግድዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፥ መንግስቲ ስርዓት ዕድጊት ነዳዲ ነርምዝማን ብዙሓት ምምሕያሻት ከምዝገበረ ገሊፆም።

እዚ ንኽኸውን ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ትሑት ብምዃኑ፥ብኮንትሮባንድ ናብ ወፃኢ እናተሸጠ ምዃኑ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብመንፅር ዓለም ለኸ ዋጋ ነዳዲ መንግስቲ ልዕሊ ፍርቂ ዋጋ እናደጎመ እናቕረበ ምፅንሑን እዚ ድማ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረን ኣልዒሎም።

ዕላማ ሪፎርም ዋጋ ነዳዲ፥ ዋግኡ ናብ ትኽክለኛ ዋጋ ምውሳድ፣  ዕድጊትን ዝርግሑኡ ምስትኽኻልን እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ስርዓት ዕድጊት ዲጂታላይዝ ምግባር እውን ዋና ኣካል ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ 1 ሺሕን 26 መዕደሊ ነዳዲ ናብ ቴሌብር ኣሰራርሓ ከምዝኣተዉ እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም።

ኣብ ቀረባ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ስርዓት ዕድጊት ነዳዲ ብኤሌክትሮኒክስ ክፍሊት ክምዝግበር ሓሮም።

ሚኒስትር ዶክተር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ ብግደኦም÷ ስርዓት ክፍሊት ሙሉእ ሙሉእ ዲጂታላይዝ ዘይምዃኑ ኣብ ስርዓት ድጎማ ፀገም ከምዝፈጠረን ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ከምዝኾነን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.