Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ትካላት ይጥቀምሎም ብዝነበሩ ካሽ ሬጂስተር ማሽናት ልዕሊ ብር 32 ቢሊዮን ናይ ሕሶት ዕዲጊት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይሕጋዊ ትካላት ይጥቀምሎም ብዝነበሩ ካሽ ሬጂስተር ማሽናት ልዕሊ ብር 32 ቢሊዮን ሓሰተኛ ዕዲጊት ከምዝተፈፀመ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ ሰሙን 63 ዘይሕጋዊ ትካላትን ኣብ ዘይሕጋዊ ዕላማ ይውዕሉ ዝነበሩ 20 መመዝገቢ መሸጣ መሳርሕታት ከምዝሓዘ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

በቶም መመዝገቢ መሸጣ ማሽናት ብር 32 ቢሊየን 527 ሚሊየን 510 ሺሕን 503 ዋጋ ዘለዎም ናይ ሕሶት ደረሰያት ከም ዝተሰርሐሎም ኣብቶም ማሽናት ብዝተገበረ ምርመራ ምርግግፅ ተኻኢሉ።

ደረሰኝ ኣብ ዘይቆርፁ ትካላት ብዝተገበረ ምክትታል 199 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም፤ ተሓተትቲ ንክኾኑ ከምዝገበረ ድማ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ መረዳእታ ያመላኽት።

እቶም ሰባት ብመሰረት ድንጋገ ምምሕዳር ታክሲ ኣዋጅ 983/2008 ዓንቀፅ 108፤ ብር 8 ሚሊየን 150 ሺሕ ምምሕዳራዊ ቅፅዓት ንክግበረሎም ተወሲኑ።

ሕብረተሰብ ናይ ሕሶት ደረሰኝ ዘከፋፍሉን ኣብ እዋን ዕዲጊት ኣጠራጣሪ ኩነታት እነተጋጥሞ ኣብ ቀረብኡ ንዝርከብ ማዕኸን ታክስን ኣካላት ፀፅታን ብምፍላጥ ምትሕብባር ንክገብር እቲ ሚኒስቴር ፃውዒቱ ኣቕሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.