Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብደለልቲን ኣካላት መንግስቲን ሓዊሱ ይፍፀም ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብደለልቲ፣ ሰራሕተኛታትን ሓለፍቲን ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ይፍፀም ከምዘሎ ፋና ብሮድካሰቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሮ ምርመራ ኣረጋጊፁ።

ጣቢያና ኣብ ዝገበሮ ምርመራ፥ ስኑዓት ሰነዳትን ካብ ውሽጢ ዓዲ ክሳብ ሃገራት ወፃኢ ዝተዘርግሑ መረባትን ብዙሓት ሰባት ብዘይሕጋዊ ዝውውር ክቃልዑ ይገብር ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

ብመሰረት ሓዱሽ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ዜጋታት ናብ ወፃኢ ዓዲ እንትኸዱ ክውሰዱ ዝግበኦም ስልጠናታትን ክማልኡ ዝግበኦም መዐቀኒታትን እንተሃለዉ እውን ገንዘብ ብምኽፋል ናይ ሓሶት መረዳእታ ከምዝዳለዉ ብምርመራ ክፍለጥ ክኢሉ።

ንዘይሕጋዊ ስራሕ ድማ ካብ 30 ክሳብ 100 ሺሕ ብር ከምዝሕተቱ እቲ መረዳእታ የርእይ።

ዘይሕጋዊያን ተጓዓዝቲ እውን ብዛዕባ ዝኸድሉ ሃገር ይኹን ብዛዕባ ዝሰርሕሉ ስራሕ እኹል ኣፍልጦ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ንምርግጋፅ ተኻኢሉ።

ንሰለስተ መዓልታት ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ልዕሊ 700 ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ተዓሽዮም ካብ ሃገር ክወፅኡ ክብሉ ከምዝተትሓዙ ኣገልግሎት ኤሜግሬሽንን ዜግነትን ዕላዊ ገይሩ ኢዩ።

እዚ ዘይሕጋዊነት ዝስራሕ ሕጋዊነት ጉልባብ ብምግባር ከምዝኾነ ዳይሬክተር መትሕብባር ኬላታት እቲ ኣገልግሎት ቴዎድሮስ ቦጋለ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሮ ምርመራ፥  ደላላታት፣ ኤጀንሲታት፣ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ምዘናን ከምኡውን ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት ተሳተፍቲ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ከመዝኾኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።

እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ንስቓይን መከራን ዜጋታት ምኽኒያት ይኸውን ኣሎ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.