Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዘኽእል ኣማራፂ ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ዘኽእል ቀፃሊ ኣማራፂ ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መፅናዕቲ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ምስ ኤጀንሲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ብምትሕብባር ከምዘካየዱዎ ተገሊፁ።

ውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብኣመራርሓታት ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ዝተገምገመ እንትኸውን፥ ሎሚ ዕለት ድማ ብኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ተገምጊሙ ናብ ተግባር ከምዝእቶ ተሓቢሩ።

እቲ ስትራቴጂክ መፅናዕቲ፥ ዓውዲ ሕርሻ ነምዝማንን ውሱን ሃፍቲን ጉልበትን ናይቲ ኮርፖሬሽን ከምኡ እውን ሓጋዚ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ስራሕ ኣንፈት ኣብ ምሕባር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ማሕበራዊ ረብሓ ብዘለዎ መልክዑ ምትግባር ንኽከኣል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትጵያ ዝተጀመረ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብዝምጥን ብርኪ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ግቡእ ግደ ንኽገብርን ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዝሕግዝ መፅናዕቲ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.