Fana: At a Speed of Life!

ዛላምበሳ-ዓሊተና ሓዊሱ ኣብ 7 ከባቢታት መገዲታት ኣስፋልት ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣብ ሸውዓተ ከባቢታት እዛ ሃገር ብ11 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር መገዲታት ኣስፋልት ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሙ።

እቶም መገዲታታት ብድምር 509 ነጥቢ 11 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ነቲ ህንፀት ዝውዕል ገንዘብ ሙሉእ ንሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን ከምዝኾነ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕ ተሓቢሩ።

እቲ መገዲታት ኣስፋልት ንምህናፅ ዓሊሙ ሰነድ ስምምዕነት ዝተፈረመሎም ከባቢታት፥

1. ዛላምበሳ- ዓሊቴና- ማርዋ- ዕዳጋሓሙር (32 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ሎት 1. ዛላምበሳ- ዓሊቴና መገንፀሊ)

2. ደብረ ብርሃን- ደነባ- ለሚ መገንፀሊን ጅሁር- ደነባን

3. ፊቅ- ሰገግ- ገርቦ ደነን (ሎት 3. ዮኣሌ – ደነን)

4. ሁምቦ- ጠበላ- ኣባያ-

5. ዳዬ- ግርጃ- ክብረ መንግስት (መልካ ደስታ)ን መለያ- መጆ መገንፀልን

5. ጅግጅጋ- ገለለሽ- ደገሃምቦ- ፈገግ (ኮንትራ 2)

6. ሃወላቱላ- ወተራራሳ- ያዩ- ውራቼ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ንምዝዛም ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክፀንሕ ከምዝኽእል እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.