Fana: At a Speed of Life!

ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዝግበሩ ስራሕቲን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ጉለጅለ ጥፍኣት እናተወሰደ ዝርከብ ምንቅስቓስ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ካብ ሃገር ወፃእ ዝተሰደዱን ወገናት ናብ ስድረኦም ንምምላስን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዝግበሩ ስራሕቲ ብዝተዋደደ መልክዑ ክቕፅል ይግባእ ተባሂሉ።

ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ከምዝበለኦ፥ እቲ ሓገዝ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብቐረባ ብምትሕብባር ከከም ኩነታቱ ብቕልጡፍ ምትግባሪ ንኽቕፅል ሓቲተን።

እተን ሚኒስትር እቲ ጉዳይ ግዘ ዝህብ ስለዘይኮነ ልዑል ርብርብ ከምዝደሊ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ ዝተሰደዱን ዝተመዛበሉን ወገናት መሊስካ እግሪ ክተኽሉ ንምግባር ስራሕቲ ቀልጢፎምን ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ዝግበረሉን ኣንፈት ከምዘቐመጣ ካብ ሚኒስቴር ሰላመም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.