Fana: At a Speed of Life!

ዝተኸተልኩዎ ሜላ ጉያን ሓገዝ ኣስልጣኒን ንዓወት ኣብቂዑኒ – ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብቲ ውድድር ዝተኸተልኩዎ ሜላ ጉያን ሓገዝ ኣስልጣኒን ንዓወት ኣብቂዑኒ” ክትብል ኣብ ግላስጎ ውድድር ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ብ800 ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ዝተዓወተት ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ገሊፃ።

እታ ኣትሌት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረቶ ፃሒት÷ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበገሲ ዝገበረ ናይ ኣትሌቲክስ ህይወታ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ቀፂሉ ድማ ናብ ጋንታ ብምምራሕ ብ200 ሜትሮ እናጎየየት ከምዝነበረት ትዛረብ፡፡

ካብዚ ብምቕፃ ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተዛወረት እታ ኣትሌት÷ ብ200 ሜትሮ ኣብ ሻምፒዮናታ ውሽጢ ሃገር ከምዝተዓወተት ገሊፃ፡፡

ፀገም ዓቕሚ ከምዘይብላን ጉልበት ከምዘለዋን እትገልፅ ኣትሌት ፅጌ÷ ካብ 200 ሜትሮ ንላዕሊ ኣብ 800 ሜትሮ ናይ ምውድዳር ድሌት ምርኣያ ስዒቡ ብፍቓድ ኣሰልጠንታ በቲ ርሕቐት ምውድዳር ከምዝጀመረት ኣብሪሃ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልጂም ዝተኻደ ሻምፒዮና ዓለም ብ800 ሜትሮ መለክዒ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝኾነ ሚኒማ ከምዘምፀአትን ካልአይቲ ሰብ ብምዃን ናብ ስኮትላንድ ግላስጎ ከምዘምረሐት ገሊፃ፡፡

ኣትሌት ፅጌ ኣብ ግላስጎው ውድድር ውሽጢ ገዛ ዓለም ብኬንያውያን ኣትሌታት ብርቱዕ ንሕንሕ ከምዝገጠማ ኣልዒላ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ውድድር ብሰዓት ብምክፍፋል ዝተጠቐመቶ ሜላ ጉያ ንኽትዕወት ከምዝሓገዛ ኣብሪሃ፡፡

ብምዕዋታ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ዝገለፀት ኣትሌት ፅጌ÷ ኣብ ቀፃ በዚ ርሕቐት ኣብ ዝተፈላለዩ ሻምፒዮናታት ዓለም ብምስታፍ ሰንደቕ ዕላማ ሃገራ ክብ ክተብል ከምትደሊ ተዛሪባ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.