Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ኩሉ ተሓባቢሩን ተሓጋጊዙን ክሰርሕ ይግባእ – ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ኩሉ ተሓባቢሩን ተሓጋጊዙን ክሰርሕ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ገሊፀን።

ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ‹‹ምትሕብባር ሲቪል ማሕበራት መንግስትን ውልቂ ትካላትን ንሓበራዊ ልምዓት›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኸፈተ መዓልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ባዛርን ኤግዝብሽንን ተረኺበን ከምዝገለፅኦ፥ ሲቪል ማሕበራትን ውልቀ ትካላትን ኣብ ሓደ ምርካቦም ንሓድነት ሃገርን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ሕብረተሰብን ዕዙዝ ረብሓ ዘለዎ።

እቲ መዓልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ባዛርን ኤግዝብሽንን፥ ኣብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ኢዩ ተኸፊቱ ዘሎ።

“ብናይ ሓደ ኣካል ፃዕሪ ጥራሕ ኣብዝኾነ ምብፃሕ ኣይከኣልን” ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ እዋን ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘይነበረ፤ እዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ከምዝተርኣየ ገሊፀን።

ካብዚ ጭቡጥ ሓቂ ብምምሃር ድማ ኩሎም ኣካላት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብሉ ከምዝግባእን ኣብ ዕብየት ሃገር ዝኽእልዎ ኩሉ ክገብሩን ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.