Fana: At a Speed of Life!

ዝተጎድኡ ትካላት ንምድጋፍን ካብ ስደት ዝተመለሱ ንምጥያሽን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጎድኡ ኢንተርፕራይዛትን ትካላት ቴክኒክን ሞያን ንምድጋፍን ካብ ስደት ዝተመለሱ ንምጥያሽን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ተኻይዱ።

ኣብ ክልቲአን ክልላት ዝርከቡ ማእኸላት መውሃቢ ኣገልግሎት፣ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ትካላት ቴክኒክን ሞያን ብምኽንያት ኲናት ዝበፅሖም ጉድኣት ልዑል ከምዝኾ ዘርኢን ካብ ስደት ዝተመለሱ ዜጋታት ብዝምልከት ዕቤት እቲ ፀገም ዘመላኽት መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፣ ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ቴክኒክን ሞያን ዶክተር በከር ሻሌ ከምኡ እውን ሚኒትር ድኤታ ገንዘብ ሰማሪታ ሰዋሰው ተረኺቦም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት፣ ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ኣሰራርሓታትን ኩነታት እቲ ጉድኣትን ዝምልከት ርኢቶ ምሃቦም ካብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.