Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኣብ ልዕሊ 335 ተምሃሮ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን መምህራንን ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ወሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃዊኾም ዝበሎም ልዕሊ 335 ተምሃሮ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን መምህራንን ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ።

ምስ ውዳበታት ፀፅታ ብምዃን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ፀገም ፈጠርቲ ንምፍላይ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ምኽባር ሕጊ፥ ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከይህሉ ድሌት ኣለዎም ዝበሎም 332 ተምሃሮ፣ ክልተ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሓደ መምህርን ስጉምቲ ምውሳዱ ኢዩ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘፍለጡ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዶክተር ኣባተ ጌታሁን ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ትካል ቅድም ክብል ብሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተመራፂን ኣብነታዊን ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ።

ድሕሪ ቀረባ እዋን ግን፥ ብሄርን ሃይማኖትን ሽፋን ብምግባር ብዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ምኽንያት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሳልሳይ ግዘ ምቁራፁ ገሊፆም።

በቲ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ድማ ህይወት ክልተ ተምሃሮ ምሕላፉን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተወሰኑ ተምሃሮ ድማ መጉዳእቲ ኣካል ምብፅሑን ብምሕባር፥ እዚ ድማ ካብ ሓደ ትካል ፍልፍል ፍልጠት ትፅቢት ዘይግበረሉን መሕፈሪን ፍፃመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከይዲ ምምሃር ምስትማሃር ሃዊኾም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝተገደደ ገሊፆም።

እቶም ፕዚዳንት ከምዝገለፁዎ፥ 12 ተምሃሮን ክልተ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ጉዳዮም እናተርኣየ ይርከብ።

ሓደ መምህር ካብ ስርሑ ከምዝተኣገደን ን320 ተምሃሮ ድማ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦምን እውን ኣፍሊጦም።

እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ተምሃሮ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን መምህራንን ኣብ ውሽጢን ደገን እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ህውከትን ዕግርግርን ንኽፍጠር ምኽንያት ኮይኖም ምርካቦም ብጭቡጥ መረዳእታ ዝተረጋገፀሎም ምዃኖም እውን ዶክተር ኣባተ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.