Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርስትታት ማእኸላት ምርምርን መፅናዕቲን ክልሰ-ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኮናስ  ተግባር እውን ከምፅኣ ይግባእ- ኣይተ ኣደም ፋራሕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስትታት ማእኸላት ምርምርን መፅናዕቲን ክልሰ-ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኮናስ ተግባር  እውን ከምፅኣ ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና  ኣይተ ኣደም ፋራሕ ገሊፆም።

ዩኒቨርስቲ ባህርዳር መበል ሳልሳይ  መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ትካለት ትምህርትን መዳረግቲ ኣካላትን ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን ኣካቢ ቦርዲ እቲ ዩኒቨርስትን፥ ዩኒቨርስትታት ንኩሉ ማእኸል ዝገበረ ምርምራት ከምፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

“ዩኒቨርስትታት ንለውጥን ኩለመዲያዊ ዕብየት ሃገርን ልዑል እጃም እናተፃወቱ እዮም” ዝበሉ ኣይተ ኣደም፥ መንግስቲ እውን ንዩኒቨርስትታት ልዑል ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ እዩ ኢሎም።

ዩኒቨርስትታት ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ህንፀት ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም ዝበሉ ኣይተ ኣደም፤ዩኒቨርስትታት መንፍዓት ክልሰ-ሓሳባዊ ጥራይ ዘይኮናስ ተግባራዊ መንፍዓት እውን ከምፅኡ ኣለዎም ኢሎም፡፡

ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ ኣገልግሎትን ምርምርን ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣመራርሓ ትካል፤ኣብ ምምሕዳር ፋይናንስ እውን መንፍዓት ኣድላይ እዩ እጃሞም እውን ልዑል ክኾን ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዕዲጊት ፋይናንስ፣ኣብ ምምሕዳር ንብረት ወሳኒ ግደ ክፃወቱ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እዛ ሃገር ዝስተውዓሎም ኩለመድያዊ ብድሆታት ዝፈትሕ ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ኣለዎም ምባሎም አሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.