Fana: At a Speed of Life!

9 ተምሃሮ ኣብ ሁዋዌ ክፍለ ኣህጉራዊ ውድድር ኣይሲቲ ንኢትዮጵያ ብምውካል ቱኒዚያ ናብ ቱኒዚያ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሽዓተ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 8ይ ሁዋዌ ክፍለ ኣህጉራዊ ውድድር ኣይሲቲ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ንምስታፍ ናብ ቱኒዚያ ኣቲዮም።

እቶም ተምሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ሳይንስስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ፣ ጅማ፣ ሃሮማያን ኣርባምንጭን ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ እቶም ተምሃሮ ንምብርትታዕ ሰለስተ መምህራን ቢሮምዎም ከምዝተጓዓዙ ተገሊፁ።

ዓመታዊ ውድድር ኣይሲቲ ሁዋዌ ብብርኪ ዓለም ን8ይ፣ ብብርኪ ሃገር ድማ ን6ይ ግዘ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምትሕብባር ተኻይዱ።

እቲ ውድድር ዝተመረፁ ትሽዓተ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቱኒዚያ ኣብ ዝካየድ 8ይ ክፍለ ኣህጉራዊ ውድድር ፍፃመ ኣይሲቲ ሁዋዌ 2023/24 ንምስታፍ ኣብ ቱኒዚያ ይርከቡ።

ኣብቲ ውድድር ካብ ኢትዮጵያ፣ ማሊ፣ ካሜሩን፣ ሴኔጋል፣ ኣልጄሪያ፣ ቱኒዚያ፣ ሊቢያ፣ ግብፂን ሞሮኮን ዝተውፃእፅኡ 90 ተምሃሮ ከምዝወዳደሩ ካብ ሁዋዌ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.