Fana: At a Speed of Life!

ድምፃዊ በረከት ደመወዝ ኣብ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድምፃዊ በረከት ደመወዝ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዙር ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።

ንፍፃመ ምዕራፍ ውድድር ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ውድድር ድምፃዊ በረከት ደመወዝ ቀዳመይ ብምዃን 400 ሺሕ ብር ተሸላሚ ኮይኑ።

ብተወሳኺ ድምፃዊ ሃብታሙ ይሄነው ካልኣይ፣ ድምፃዊ ግርማ ሞገስ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዙ ኢዮም።

ራብዓይ ድማ ድምፃዊ ዘውዱ ኣበበ እንትኸውን፥ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ንዝሓዙ ተወዳደርቲ ብቕደም ሰዓብ 300 ሺሕ ብር፣ 200 ሺሕ ብር፣ 100 ሺሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱሎም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ነቲ መድረኽ ብሰለስተ ነገራት ዝገለፅዎ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ፥ ቃልና ብምሕላው እቲ ሽልማት ናብ 1 ሚሊየን ክብ ክብል ምግባርና ፈላማይ ኢዩ ኢሎም።

ካልኣይ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብዘላዋ ኣማራፅታት ሬዲዮ ብቐጥታ ፈነወ ምትሕልለላፉ ከመዝኾነ ተዛሪቦም።

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ወዲ ድምፃዊ ተፈራ ካሳ ዝኾነ ግርማ ተፈራ ካሳ ብክብሪ ጋሻ ዝተዓደመሉ ምዃኑ ፍሉይ መድረኽ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ጥበብ ብትውልዲታት ምቅብባል ዝመፅአ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እቶም ኣርባዕተ ተወዳደርቲ፥ ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ 14ን 15ን ናብ ፍፃመ ምስ ዝቐርቡ ተወዳደርቲ ብናይ ተዓወትቲ ተዓወትቲ ንሕንሕ ክምለሱ ኢዮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.