Fana: At a Speed of Life!

 “ድሮናት” ንሃገራዊ ልምዓትን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ንምውዓል ዘኽእል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ድሮናት” ንሃገራዊ ልምዓትን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ንምውዓል ዘኽእል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ፥ ብመሪሕነት ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት(INSA) ብምትሕብባር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝተዳለወ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መርበብ ድሕንነት ኣይተ ሰለሞን ሶካ፥ እተን ድሮናት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ሓይሊ ምክልኻል፣ ድሕንነት፣ ግብርና፣ ማሕበራዊን ጂኦግራፊያዊን ዘለወን ግደ እናዛየደ ምምፅኡ ገሊፆም።

ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ካብ ድሮናት ዝርከብ ረብሓ ብኣግባቡ ንምርካብ ብብርኪ ሃገር ናይ ኣጠቓቕማ መምርሒ፣ ፖሊስን ሕጊታትን የድሊዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ “ድሮናት” ኣብ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ልምዓትን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ንምውዓል ዘኽእል ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ  ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘካተተ ሃገራዊ ግብረ ሓይሊ ምጥያሽ ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዕላምኡ ድማ፥ እተን ድሮናት ንሃገራዊ ልምዓትን ሰብኣዊ ተግባራትን ናይ ምትሕብባር ከምኡውን ኣጠቓቕመአን ብዝምልከት ሕግታት፣ ደንቢታትን መምርሒታትን ንምድላው ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.