Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ፋና ሓጎስ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮይነን ተሾይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶክተር ፋና ሓጎስ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮይነን ተሾይመን።

ዶክተር ፋና ሓጎስ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርተን ካብ ዩኒቨርሰዲቲ ኣዲስ ኣበባ ብክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ዝተቐበላ እንትኾና፥ ካልኣይን ሳልሳይ ድግሪ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ፍሪስቴትን ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክን ተማሂረን፡፡

ትምህርተን ብምቕፃል ድማ ኬንያ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ፖስት ኣካዳሚ ሳይንስ ኣፍሪካ ዶክትሬት ረኺበን፡፡

ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዓቃቢት ሕጊ ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚት ፕሮፌሰር ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ብምዃን ን12 ዓማውቲ ኣገልገሊን ኢየን።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስርዓተ ፆታን ዲን ኮሌጅ ሕጊን ስነ-መንግስቲን ብምዃን ከምዘገልገላ እውን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ዶክተር ፋና ኣብዚ ሕዚ እዋን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ብምዃን እናገልገላ ነይረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.