Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሊያ ታደሰን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተዓወትቲ ሽልማት ጁሊየስ ቤንጃሚን ሪችመንድ 2021 ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተዓወትቲ ሽልማት ጁሊየስ ቤንጃሚን ሪችመንድ ኮይኖም።

ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ቲ ኤች ቻን ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተዓዋቲት ኔክስት ጄኔሬሽን ሽልማት 2021 ክኾና ዝኸኣላ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዝወሰደኦ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ሚኒስትር፥ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ተዓዋቲት እቲ ክቡር ሽልማት ገይሩ ስለዝሓረየን ዝተሰመዐን ክብሪ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያዊ ዳሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ካብ ክፍሊ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ቲ ኤች ቻን ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኔክስት ጄኔሬሽን 2021 ዝተበርከተሎም ሽልማት ተቐቢሎም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ተምሳሌት ዶክተር ሪችመንድ ብምኽታል ጥዕና ህዝቢ ዓለም ንምምሕያሽ ብዝኀኣሉዎ ኩሉ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሽልማት ኔክስት ጄኔሬሽን፥ ጥዕና ከም ሰብኣዊ መሰል ንኽቑፀር ከምኡ እውን መናእሰይ “ጥዕና ንኹሉ” ብዝብል ቴማ ቀዳማይ ተግባሮም ንኽገብሩ ኣብ ምልዕዓል ብሱል ኣመራርሓ ንዝህቡን ቆራፅነት ንዘርአዩን ውልቀ ሰባት ዝወሃብ ሽልማት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.