Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምስ ዋና መካየዲ ስራሕ ግሎባል ኢኒሼቲቭ ኣሊያንስ ቫክሲን ተዛዚየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ዋና መካየዲ ስራሕ ግሎባል ኢኒሼቲቭ ኣሊያንስ ቫክሲን ዶክተር ሲዝ በርክሌይ ብዛዕባ ኣገልግሎት ክታበትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ተዛዚየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ብዛዕባ ዘይተኸተቡ ህፃናት (ዜሮ ዶዝ)፣ ኣብ ዝቕፅል እዋን ብዛዕባ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ንፍዮ፣ ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣተሓሕዝ ሓበሬታ ከምኡ እውን ዝርገሐ ክታበት ኮቪድን ክታበት ሂዩማን ፓፒሎማ ቫይረስን ተመያይጠን፡፡

ኣብ ውሽጢ ጎንፂ ዝርከቡ፣ ዝተጎድኡን ዝተመዛበሉን ክፋላት ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ክታበት ተበፃሒ ንምግባር ምስ መሓዙት ኣካላት እናሰርሐ ከምዝኾነ ዶክተር ሊያ ኣብሪሀን፡፡

ዶክተር ሲዝ በርክሌይ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ዓባይ መሓዛ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ኮቪድ-19ን ጥዕና ኤክስቴንሽንን ዝተሰርሐ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ተወከልቲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ከምዝተረኸቡ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.