Fana: At a Speed of Life!

ጃፓናዊ ኮርፖሬሽን ሱምቶም ብልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢንቨስት ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓናዊ ኮርፖሬሽን ሱምቶም ብልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ኢንቨስት ከምዝገብር ገሊፁ።

መንግስቲ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ዘፈር ቴሌኮም ንኽሳተፉ ብመሰረት ዝወሰዶ ውሳነ ጨረታ ካብ ዝሰዓረ ትካል ‘የግሎባል ፓርትነርሽፕ ፎር ኢትዮጵያ ‘ ሓደ ዝኾነ ሱምቶም ጃፓን፥ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ልዕሊ ክልተ ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኢንቨስት ንምግባር ንምግባር ድሌት ከምዘለዎ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ቶሽካዙ ናምቡ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ትልሚ ኢንቨስትመንት እቲ ኮርፖሬሽን ዕላዊ ዝገበሩ፥ ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ካሳ ተክለብርሃን ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን፥ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ጃፓን፣ ኤስያን ኣፍሪካን ዘለዎ ዝኻዕበተ ልምዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ብምግባር ንኽደግሞ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.