Fana: At a Speed of Life!

ጃፓን ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብላ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ገሊፀን።

ኣብ  ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ነገሌ ብመንግስቲ ጃፓን ብ13 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ማእኸል መሰልጠኒ ሓረስቶት ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት፥ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከምኡውን ነበርቲ እቲ ከባቢ ተረኺቦም።

ኣምባሳደር ኢቶ ታካኮ፥ መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት እንትድግፍ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ማእኸል መሰልጠኒ ናይዚ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

ብተመሳሳሊ ጃፓን ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢለን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.