Fana: At a Speed of Life!

ገምጋም ኣፈፃፅማ 6 ወርሒ ሴክተር ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ ሴክተር ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኸ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካኦት ኣመራርሓታት ሴክተር ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ እቲ ክልል ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ዘፈራት ገጠር፣ ከተማን ማሕበራዊ ክላስተርን ከምዝድመፅ ካብ ቤት ፅሕፈት ኩሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝትረኸቡ ጥንኩራት ጎድኒታትን ክፍተታትን ብምፍላይ ቀፃሊ ኣንፈት ከምዝቕመጡ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ኣብቲ መድረኽ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባበሪ ክላስተር ዘፈር ገጠር ዶክተር ግርማ ኣመንቴ፥ ናይ ሽዱስተ ወርሒ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሴክተር ቤተ ዕዮ ገፀር ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ፥ መፍረያይነት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምዕባይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ፤ ሕርሻ ብምዝማን ፍርያት ንምዕባይ ካብ ውሽጢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ሓረስቶት ዘበናዊ መሳርሒታት ሕርሻ ተጠቒሞም ዝድለ ምህርቲ ክረኽቡ ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

ዓውዲ ሕርሻ ካብ ተፀባይነት ዝናብ ንምንጋፍ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ትኹረት ተገይሩ ከምዝተሰርሐን ኣብ ዙርያ መስኖ ዘድሃቡ ሰፋሕቲ ፕጀክትታት ልምዓት ብብኪ ክልልን ብፌዴራልን እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።

ዓቕሚ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ናብ ኢንቨስትመንት ንምስግጋር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስርዓት ፋይናንስን ልቓሕን ብምዝርጋሕ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝተገብረ ከምኡ እውን ስራሕቲ ምፍጣር ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝተሰርሑ ዶክተር ግርማ ኣብቲ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.