Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበበ፣ 22 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 24 ጉባኤ ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ብሄራዊ መምርሒ ኢንተር ፖል ኢትዮጵያ ኮማንደር ፀጋዬ ሃይሌ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ጉባኤ ኣዘዝቲ ስራሕ ተራኺቦም ኣፈፃፅማ ስርሖም ዝግምግምሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ተፈሊዮም ዝተቐመጡ ገበናት፣ ግብረ ራዕዲታት፣ ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት፣ መዐወንቲ እፃት፣ ስርቂ እንስሳትን ካልኦት ገበናትን ብሓባር ንምክልኻልን ናይ ሓባር ገበን ምክልኻልን መመዘኒ ንክህልዎ ሓጋዚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ስግኣት ገበን ዝፀረየ ንምግባር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቀፃሊ መሪሕነት እቲ ሕብረት ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴሪኢ ደመላሽ ገብረሚካኤል ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.