Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ኬንያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ምዕራባዊ ጠረፍ ባሕሪ ኬንያ ትርከብ ከተማ ኪሱሞ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ ዝርከባ ከተማታት ኣፍሪካ ብምኽንያት ለውጢ ኣየር ዘጋጥሙወን ብዙሓት ፈተናታት ንምቅላልን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ንኸመዝግባ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ከተማታት ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ኣብ ምቕባል ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት፣ መፍትሒኦምን እቶም ፀገማት ኣብ ምቅላል ክስርሑ ዝግበኦም ተግባራትን ኣመልኪቱ ልዝብ ከምዝግበር ኣብቲ ዝወፅ መርሃ ግብሪ ተመልኪቱ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 8 ሺሕ ልኡኻት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ሲቲ ኣሊያንስን ፀብጺቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.