Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዘይሕጋዊ ተግባር ፈፂሙ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ህወሓት ሃገራዊ ለውጢ ቅድሚ ምምፅኡን ድሕሪኡን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ክልላዊ መረፃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምፍፃሙ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ጠጠው ንኸብል ተደጋጋሚ ፃውዒት ዝቐረበሉ ይኹን እምበር ንሕገ-መንግስቲ ናብ ሓደጋ ዘውድቑ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቑጠብ ኣይከኣለን ኢሎም።
ነዙይ ስዒቡ ድማ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ቤት ምኽሪ ህወሓት ንኽፈርስን ኣካል ፈፃሚ ስራሕ እውን ኣፍልጦ ከይህልዎን ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ ክልል ጊዚያዊ ምምሕዳር ክጣየሽ በቲ ቤት ምኽሪ ከምዝተወሰነን እቲ ውሳነ ድማ ሕገ-መንግስቲ ንምፍፃም ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/95 መሰረት ብምግባር ከምዝኾነን ኣብሪሆም።
መንግስቲ ነቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንምውዓል ዝወሰዶ ስጉምቲ ድሕንነት ንፁሃን ዜጋታት ብዘሓለወ መልክዑ ከምዝኾነ ኣይተ ኣደም ገሊፆም።
“ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ብብቕዓትን ብውፅኢታዊነትን ከምዝተፈፀመ እቲ ቤት ምኽሪ ገምጊሙ ኢዩ” እውን ኢሎም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጡ ተግባራት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ምፍፃሞምን ዘይምፍፃሞምን ከምዝከታተል እቶም ኣፈ ጉኤ ኣገንዚቦም።
እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ቀፃሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ፀብፃብ ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።
ኣብቲ ክልል ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር፥ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ላዕለዋይ ፈፃሚ ኣካላ ዝነበሩዎ ስልጣንን ተግባርን ዝህሉዉዎ ስለዝኾነ በጀትን ትልሚን እቲ ክልል ከፅድቕ ኢዩ።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብዕሊ ስርሑ ምጅማሩ ስዒቡ፤ ኣብ ከተማታትን ወረዳታትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዘሳትፍ መልክዑ ኣመራርሓታት ምምዳቡ ፅቡቕ ጅማሮ ከምዝኾነ እቶም ኣፈ ጉባኤ ምግላፆመ ካብ ቤት ምኸሪ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.