Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምርሕ ኢዩ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን፣ ብሄራዊ ቲያትር፣ ፍሉጣት ከየንትን ሙዚቀኛታት ጃኖ ባንድን ዝተውፃእፅኡ ዝሓወሱ ኢዮም።

እቲ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ስዒቡ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ካብ ቀፃሊ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ክጓዓዝ ኢዩ።

ኣብ ከተማ ኣሰመራ፣ ከረንን ምፅዋዕን ምድላዋቶም ከምዘቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.