Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ተዓዛቢ ምርጫ ተተካኢ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ አበባ፣ ሰኔ 15፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ተዓዛቢ ምርጫ ተተካኢ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ተዓዚበ ኢ ክብል  ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ኣርባዕተ ክልላትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ኣብ 190 ጣብያታት ምርጫ ብምርካብ ከይዲ ምርጫ ምዕዛቡ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዘውፅኦ ቀዳማይ ፀብፃብ ምኽፋት ጣብያታት ኣብ እዋነን፣ ከይዲ ምርጫ፣ መዕፀዊን ቆፀራን ማእኸል ብምግባር ኣብ ዝገበሮ ትዕዝብቲ ኢቲ ከይዲ ምርጫ ብኣብዘሓ ሰለማዊ ኩነታት ዝነበሮ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ጉጅለ ኣምባሳደር ኣብዱላሂ ኣውላ ኣሊ ከምዝበልዎ፥ እቲ ከይሪ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተዓጀበ፣ ንቑሕ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝነበሮ ኢዩ።
እቲ ጉጅለ ካብ መንጎ ዝተዓዘበን ጣብኣታት ምርጫ እተን 81 ሚኢታዊ ብመሰረት ዝተብሀለ ሰዓት ከምዝተኸፈታ ተዛሪቦም።

”ዝሓሸ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣኒስዮን ምንባሩ ዝተባባዕ ተግባር ኢዩ” ኢሎም።
ብሓፈሻ ጉጅለ ተዓዛቢ ምርጫ ተተካኢ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ዝተረጋገዐን ሰለማዊ ድባብ ዝተላበሰን ምዃኑ ገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.