Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ማይ ካድራ ዝፈፀሞ እኩይ ተግባር ኣብ መቐለ ንምድጋም እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ፖሊስ ኮሚሽን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ማይ ካድራ ዝፈፀሞ እኩይ ተግባር ኣብ መቐለ ንምድጋም እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን እኩይ ትልሚ እቲ ጉጅለ ከምዝበፅሖ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ካልኣይ ምዕራፍ ተዛዚሙ ኣብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘይኮኑ ዜጋታት ዘስካሕኽሕ ቅትለት ንምፍፃም፣ ንብረቶም ብምዝራፍ ንምቅፃል፣ ደምቢ ልብሲ ሰራዊት ምክልኻል ብምኽዳን ኣብ ልዕሊ ሰባት ሃንደበታዊ ተኹሲ ብምኽፋት መነወሪ ተግባር ንምፍፃም ምሕሳቡ ተረዲአ ኣነለኹ ኢሉ፡፡

እቲ ጉጅለ ቅድም ክብል ኣብ ማይ ካድራ ዝፈፀሞ መነወሪን መስካሕኽሒን ጭፍጨፋ ንምድጋም ትልሚ ኣውፂኡ ተግባራዊ ንምግባር እናተንቀሳቐሰ ምዃኑን እቲ እኩይ ተግባሩ ምስፈፀመ ድማ እቲ ተግባር ዝተፈፀ ብመንግስቲ ኢዩ ኢሉ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ንምፍናው እናተሰናድአ ከምዝኾነ ካብ ህዝቢ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኢዩ ፖሊስ ኮሚሽን ገሊፁ ዘሎ።

ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ነዚ ናይ ጥፍኣት ሽርሒ ተኸቲሉ ጁንታ ህወሓት ክፍንዎ ዝተዳለወ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣቐዲሙ ክርዳእን ተቐባልነት ንኽስእን ናይ ባዕሉ ፃዕሪ ክገብርን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚሽን ክዝቢ ዝኾነ ይኹን ዝተፈለየን ዘጠራጥርን ምንቅስቓስ እንትርኢ ንኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ንኽህብ ሓቲቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.