Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ኢትዮጵያ መድንን ለገጣፊ ለገዳዲን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምዕባየን ኣረጋጊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኢትዮጵያ መድንን ለገጣፊ ለገዳዲን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምዕባየን ኣረጋጊፀን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ምድብ “ሐ” ብዝተኻደ መርሃ ግብሪ ፀወታ፥ ጋንታ ኢትዮጵያ መድን ንደቡብ ፖሊስ 1 ን 0 ክትስዕር ክኢላ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ጋንታ ኢትዮጵያ መድን ድሕሪ ሸሞንተ ዓማውቲ ናብ ፕሪሜርሊግ ምዕባያ ኣረጋጊፃ።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ምድብ “ለ” ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ተሳታፊት ዝነበረት ጋንታ ለገጣፎ ለገዳዲ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ምዕባያ ኣረጋጊፃ ኢያ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ለገጣፎ ንሰንዳፋ በኬ 4 ን 0 ብምስዓር ኢያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ክኢላ ዘላ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ምድብ “ሀ” ዝተደልደለት ጋንታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ናብ ፕሪሜርሊግ ምዕባያ ይዝከር።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.