Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ናይ ጦርነት ኣተሓሳስባ ክወፅእ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ናይ ጦርነት ኣተሓሳስባ ወፂኡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝረብሑ ጉዳያት ንክሰርሕ ሓላፊ ዓውዲ ውዳበ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ገብረፃድቅ ገብረመድህን ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ምስ መሶብ ፋና ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰኖ ውሳነ ጎንፂ ደው ምባል ዝነኣድን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ምዃኑን ገሊፆም።

እቲ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ  ካብ ምምዝባልን ምንግልታዕን ንምድሓንን ዝዓለም ምዃኑ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ መንግስቲ ንህዝቡ ዘለዎ ተበግሶ ዘረድእ ምዃኑ ጠቒሶም።

ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ እዩ ዝበልዎ እቲ ውሳነ፥ ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ ህወሓት ምዃኑ ዝርድአሉ እውን እዩ ኢሎም።

ህወሓት ብባህሪኡ ፀረ ዲሞክራሲ ብምዃኑ በብእዋኑ ነቲ እዋን ዝምጥኑን ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሑን ስራሕቲ ከምዘይሰርሕ ኣይተ ገብረፃድቅ ይሕብሩ።

እቶም ሓላፊ ወሲኾም ድማ ህወሓት ድልየት ህዝቢ ትግራይ ከማልእ ዘይኽእል ብምዃኑ እቲ ህዝቢ ይኣኽለካ ክብሎ ከምዝግባእ ይገልፁ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ፣ ህዝቢ ዓፋር ይኹን መንግስቲ እቲ ክልል፥ ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ከምዘይፈልጡን ንቐፃሊ እውን ክኾኑ ከምዘይኽእሉን ኣይተ ገብረፃድቅ ገብረመድህን ሓቢሮም። ከም ኣበሃህላ ኣይተ ገብረፃድቕ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት እዩ።

እቶም ሓላፊ መፃኢት ኢትዮጵያ ዴሞክራሲዊት ንክትኸውን ድሕሪ ምምናይ ይኹን እምበር ትዕግስቲ ግን ከድልየና እዩ ብምባል ምዒዶም።

ኣይተ ገብረፃድቅ ኣብ ትግራይ ናይ ጦርነት ኣተሓሳስባ ክውገድ ከምዘለዎን ምግንፃል ድማ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይረብሕን ኣረዲኦም። ወሲኾም ድማ መሪሕነት ህወሓት ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ከበላሽዉ ከምዘየብሎም ብምግላፅ፥ ኣብ ማእከል ዓዲ ዝሰኣንዎ ስርቆት ንምቕፃል ክብሉ ድሌትን ዕላማን ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ናይ ምግንፃል ኣተሓሳስባ ደው ከብልዎ ከምዘለዎም ፀዊዖም።

ብጌታቸው ኣለሙ

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.