Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይሕጋዊያን ሓይሊታት ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ርእሰ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይሕጋዊያን ሓይሊታት ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን  ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለን ገሊፆም።

ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን፥ እቲ ኮሚቴ ኣብ ኣኼብኡ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊን ተዛቲዩ።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልቲአን ክልላት፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፀላኢ ምዃኑ ዘረጋገፀ ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ዜጋታት ነበርቲ ክልል ኦሮሚያ ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ኣውጊዞም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ንክቕፅል በቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተዛሪቦም።

ሓይሊታት ፀፅታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ህዝቢ ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘተባብዕ ውፅኢት የመዝገብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብግደኦም፥ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ብመሰረት ዝሃቦ ኣንፈት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ ዝሃቡ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲታት ምውሳዶም ሓቢሮም።

በዚ ድማ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሓዊሱ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብዙሓት ዘይሕጋዊያን ሓይሊታት ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።

እቶም ርእሳነ ምምሕዳር ኣብ ቀፃሊ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.