Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ዜር ሓይሊ ምፍልፋል ክጅምር ኢዩ – ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ዜር ሓይሊ ምፍልፋል ከምዝጅምር ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር ዩሲኤል ምስ ዝተብሃለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩናይትድ ኪንግደም ዝርከቡ ተመራመርቲን ተምሃሮን ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢትዮጵያኣብ ዘፈር ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ትሰርሖም ስራሕቲ ብዝምልከት ዘለዎም ልምዲ ኣካፊሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያን ምብራቕ ኣፍሪካን ኩለመዳይ ቀረብ ሓይሊን ካልኦት ዕላማታት ልምዓትን ንምዕዋት ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ብኸመይ ምቅልጣፍ ይከኣል ኣብ ዝብል ሓሳብ ዙሪያ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ልምዶም ከካፍሉ ዝተዓደሙ፥ ኣብቲ ዓውዲ ልዕሊ 30 ዓመታት ልምዲ ስራሕን ልዑል ዝኾነ ምድላው ትምህርቲን ስለዘለዎም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ ንምድንፋዕ ትሰርሖ ዘላ ስራሕቲ ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ዝኸውን ስለዝኾነ ተመራመርቲን ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብዚ ልም ንኽቐስሙ ንምኽኣል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቶም ሚኒስትር። ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ወፃኢ እናሃነፁዎ ዝርከቡ ዓቢዩ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ 5 ሺሕን 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፍልፋል ንፁህን ዝሕደስን ሓይሊ ንዜጋታት ንምቕራብ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ዙር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጦም፡፡

ኢትዮጵያ ንባዕላ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝኸውን ንፁህን ዝሕደስን ፍልፍል ሓይሊ ንምዃን ዓሊማ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.