Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ሕዳሰ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ብልዑል ብርኪ ዘነቓቕሕ ፕሮጀክት እዩ – ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ሓሊፉ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ብልዑል ኩነታት ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ሚኒስትር ቱሪዝም ናሲሴ ጫሊን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን መበል 35 መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ትማሊ ዑደት ኣካይዶም፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ናሲሴ ጫሊ÷ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ብተወሳኺ ብዙሕ ረብሓ  ከምዘለዎ ብምሕባር ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ሓደ ድማ ልምዓት ቱሪዝም ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እዚ ንምዕዋት ብኣግኡ ኣብ ምትግባር ከምዝኾነ ዝሓራ እተን ሚኒስትር÷ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብ ግደ ዝተፈላላዩ መፅናዕትታት ይካየዱ ምህላዎም ኣረዲአን፡፡

ሎሚዘበን “ሓዱሽ ሓሳብ ንቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኸበረ መበል 35 መዓልቲ ቱሪዝም ልምዓት ቱሪዝም ንሃገርና ርብርብ ንኽገብር ንምልዕዓል ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.