Fana: At a Speed of Life!

ጨረር ዘፈልፍሉ መሳርሒታት ኣቕሑት ዝጥቀሙ ትካላት ግንዛበኦም ክዓቢ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጨረር ዘፈልፍሉ መሳርሒታት ኣቕሑት ዝጥቀሙ ትካላት ግንዛበኦም ክዓቢ ኣብ ምግባር ክስራሕ ከምዝግበኦ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣመራርሓታት በዓል መዚ ምክልኻል ጨረርን ኣብ ክሊ ስራሕቲ እቲ በዓል መዚ ኣድሂቦም ተዛትዮም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ምክልኻል ጨረር ኣይተ ሰሎሞን ጌታቸው፥ ድሕንነት ጨረርን ቴክኖሎጂ ኒኩሌርን ብምርግጋፅ ንሰላማዊ ኣገልግሎት ንኽውዕልን ኢኮኖሚ ሃገር ምሕጋዝ ኣብ ዝኽእለሉ ምዕሩይ ሃዋህው ንምፍጣር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ኣብረሃም በላይ ብግደኦም፥ ጨረር ዘፈልፍሉ መሳርሒታት ኣቕሑት ዝጠቀሙ ትካላት ግንዛበኦም ክዓቢ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእትዉዎም ኣቕሑት ምስ ጨረር ተተሓሒዙ ዝህልዎም ረብሓን ጉድኣትን ክፍለዩን ክጥቀቀሙን ኣብ ምግባር ብዕቱብ ክስራሕ ኣለዎ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ግልጋሎቶም ዘብቅዑ/ደው ዘበሉ ጨረር ከፈልፍሉ ዝኽእሉ መሳርሒታት፥ ናብ ዝመፅአኡሉ ክምለሱ ናይ ምግባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.