Fana: At a Speed of Life!

ጭዋዳ ገናሕቲ መኪናን ተሳፈርቲን ዘነቓቕሕ ወምበር ተሽከርካሪ ተሰሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ላንድ ሮቨር ጃጓር ኣሽከርከርቲ መኪና ኣብ ዝገንሑሉ እዋን ጭዋዳታቶም ንኽነቓቐሕ ዝሕግዝ ወምበር ከፍሪ ምኽኣሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ወምበር ኣሽከርከርቲ ወይ ድማ ተሳፈርቲ ብበዝሒ ኮፍ ምባል ንዘጋጥሞም ድኻም ጭዋዳ ብምቕናስ ጭዋደኦም ዘነቓቕሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ወምበር ኣሽከርከርቲ ይኹኑ ተሳፈርቲ ኣብ መኪና ውሽጢ እናሃለዉ ጉዕዞ እግሪ እናገበሩ ከምዘለዉ ክስመዖም ብምግባር፥ ጭዋዳታት ኣካሎም ብምንቕቓሕ ንነዊሕ ግዘ ከፍ ብምባል ክለዓል ንዝኽእል ፀገም ጥዕና ንምቕራፍ ከምዝሕግዝ እውን ተገሊፁ።

እቲ ፈጠራ፥ ሓደ ኣካል ኣብ ዓለም ዘሎ ልቀት ጋዝ፣ ሓደጋ ትራፊክን ምጭንናቕ ትራንስፖርትን ናብ ዜሮ ናይ ምውራድ ፕጀክት ኢዩ ተባሂሉ።

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ኩባንያ ላንድ ሮቨር ጃጓር ዶክተር ስቴቬ ኣሌይ፥ ዋና ዓላማ እቲ ፕጀክት ሰራሕተኛታትን ዓማዊልን ጥዕነኦም ዝተሓለወን ሕጉሳት ክኾኑ ምግባርን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብብርኪ ዓለም ለኸ ምስ ተሸከርከርቲ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ፅዕንቶ ንምቕራፍ፥ ሰብ ሞያታት ኢንጂነሪንግ ብምጥቃም ናይ ቀፃሊ አዋን ወምበር ከፍርዩ ከምዝኸኣሉ እውን ኣብሪሆም።

ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዝኸውን ህዝቢ ዓለም መብዛሕትኡ ግዘ ኮፍ ኢሉ ዘሕልፍ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣብ ጭዋዳ፣ ኮደ (ዳሌ)ን ካልኦት ክፍሊታት ሰውነትን ንዝፍጠር ፀገም ጥዕና ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።

ፍልፍል፡- autocar.co.uk

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.