Fana: At a Speed of Life!

 ፅዕንቶታት ብፅንዓት ህዝቢ፣ ተሳትፎ ዲያስፖራን ዲፕሎማሲን ተፃዊርና ዝገደደ ፀገም እንተይበፅሐ ቀፂልና ኢና-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮመነን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

ኣብ ፀብፃቦም፥ እቲ ሚኒስቴር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንክኽበር፣ ልኡላውነት ሃገር ንክኽበር፣ ብናይ ሓባር ረብሓን ማዕርነትን ዝተደረኸ ርክብ ወፃኢ ዝተደረኸ ውፅኢታዊ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ብምክያድን ስራሕቲ ህንፀት ገፅታ ከምዝተኻየደ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን  ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መሰሎም ነክሕሎ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ከምኡውን ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ዲያስፖራ ምጥንኻር ኣንፈት ትኹረት ብምግባር ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፈተናታት ኣንፀላልየምዋ እንትትፍተን ከምዝፀንሐት ገሊፆም።

እቲ ፈተና ንምሽጋር  ኢትዮጵያዊያንን  ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ ፈተውቲ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ብምድጋፍ ልዑል ርብርብ ዝገበርሉ ዓመት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብዚ እዋን ሓድነትና እንተዘይተሓሊዩ፣ ኢኮኖሚና እንተዘይጠንኪሩ፣ ሰላም እንተዘይነጊሱ ዝኾነ ይኹን ፃዕሪ እንተገበርና አወን ውሽጣዊ ኩነታትና ብዲፕሎማሲ ፅዕንቶ ምሕዳሩ እሙን ኢዩ ኢሎም።

ፅዕንቶታት ብፅንዓት ህዝቢ፣ ተሳትፎ ዲያስፖራን ዲፕሎማሲን ተፃዊርና ዝገደደ ፀገም እንተይበፅሐ ቀፂልና ኢና እውን ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ንመላእ ህዝብን ፈተውቲ ኢትዮጵያን አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.