Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ልዕሊ14 ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ልዕሊ14 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከም ዝገበረ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

መካየዲ ስራሕ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣይተ ክብረኣብ ተወልደ፥ ብልዕሊ ብር 9ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝተዓደጉ 90 ዘመናዊ ዓራታትን 2 ሽሕ ኣንሶላን ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣረኪቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ፥ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ንዝገብሮ ሓገዝ ምስግና ኣቕሪቦም።

እቲ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ዝገለፁ ዶክተር ርእየ፥ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ሰብ ሃፍትን ግዱሳት ተጋሩን ብውልቀ ይኹን ብውዳበኦም ኣቢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ እውን ንኢዶም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና ተገዚኦም ናብ ቢሮ ጥዕና ኣታዊ ከም ዝተገበሩ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.