Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ናይ ገፅ መሸፈኒ (ማስክ) ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣፍልጦ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ኩባንያታት ትእምት ሓደ ዝኾነ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ናይ ገፅ መሸፈኒ (ማስክ) እናፍረየ ናብ ዕዳጋ ንከቕርብ ሃገራዊን ክልላዊን ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

እቲ ትካል ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ናብ ኢትጵያ ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ዝተፈላለዩ መከላኸሊ ናውቲ ንምፍራይ ምድላዋት እናገበረ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ነቲ ማስክ ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣቢሉ ኣዳልዪ እኳ እንተነበረ፥ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክሳብ ዝረክብ ግን ናብ ዕዳጋ እንተየውፅኦ ፀኒሑ እዩ።

ካብ ትማሊ ዕለት 15 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ግን እቲ ፍርያት ኣፍሪዩ ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ኣፍልጦ ብምርካቡ ብበዝሒ ከቕርብ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ፍርያት ህዝቢ ብቐሊሉ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእለሎም ቦታታት ከም ሆስፒታላት፣ ፋርማሲታትን ካልኦትን ዝበሉ ቦታታት ዝለኣኽ ኮይኑ፥ እቲ ትካል ባዕሉ እውን ናብ ታሕቲ ወሪዱ ብፍትሓዊ ዋጋ ከምዘከፋፍል ተሓቢሩ እዩ።

ኣብ ቤት ህንፀታት ትግራይ ንዝረክቡ ዜጋታት፥ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ባዕሉ ማስክ ብናፃ ከምዘከፋፍልን ዓቕሚ ንዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ድማ ብትእምት ኣቢሉ ማስክን ካልኦት መከላኸሊ ናውትን ከከፋፍል ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል:- ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.