Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያ ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ፥ መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዕዝይና ብሄራዊ ስግኣት ምዃኑ ብምግምጋም ንምቕናስ ዓብዪ ስራሕ ይሰርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን እቲ ስምምዕነት ምኽታሙ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም።

ዝተጀመረ ቃልሲ ብምጥንኻር  ፋና ብሮድካስቲንግ ናይ ምርመራ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምፍርራሙ ሀዝቢ ዝተፈላለዩ ግዕዙያት ኣሰራርሓታት በዝመልከት ሓበሬታ ንክህብ ከምዘኽእል እውን ገሊፆም።

ኣይተ ኣድማሱ ብግደኦም፥ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሰዓቱ ቅኑዕ ሚዲያ ከምዝሓረየ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምርመራን ደኩመንታሪን ጋዜጠኝነት  ዳይሬክቶሬት ብምኽፋት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምርመራ ይሰረሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ግዕዙያት ኣሰራርሓታት ዝቃልዕሉ ኣብ ሓቂን ፍልጠትን ጠሚቱ ዝሰርሕ ትካል ሚዲያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብሃይለማሪያም ተገኝን መሳፍንት እያዩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.