Fana: At a Speed of Life!

ፋኦ ኣብ ትግራይ ንሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢ ምክፍፋልን ንእንስሳት ምኽታብን ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣብ ትግራይ ንስድራ ሓረስቶት ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ክምለሱ ዘኽእል ህፁፅ ፕሮግራም ዕላዊ ገይሩ።

ተወካሊ ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፋጡማ ሰይድ፥ እቲ ትካል ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ፍርያት ሕርሻ ምፍራይ ንኽጅምሩ ዘኽእል ትልሚ ቅድሚት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ክመፅኡ ዝኽእሉ ፀገማት ምፅዋር ዝኽእሉሉ ዓቕሚ ምፍጣር እውን ካሊእ ቅድሚት ዝወሃቦ ተግባር ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ከም ጥረምረ፣ ጣፍ፣ ስርናይ፣ ኮመደረ ዝበሉ ኣዝርእቲ ናብ ሓረስቶት እናከፋፈለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣጣል፣ ኣባጊዕን ከፍቲን ብዶብ ሰገር ሕማማት እንስሳ ከይይቅዑ ክታበት እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ዘርኢ ን50 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ንምብፃሕ ዝዓለመ እንትኸውን፥ 100 ሺሕ ንዝኾኑ እንስሳት ንምኽታብን ሕክምና ንመሃብን እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.