Fana: At a Speed of Life!

ፌሊክስ ትሺሴኬዲ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኮንጎ ምዕዋቶም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌሊክስ ትሺሴኬዲ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ከምዝተዓወቱ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ዕላዊ ገይሩ።

ፌሊክስ ትሺሴኬዲ 70 ሚኢታዊ ድምፅ መረፅቲ ከምዝረኸቡ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ውፅኢት እቲ መረፃ÷ ፌሊክስ ትሺሴኬዲ ብምቕፃል ተናሓናሒኦም ዝነበሩ በዓል ሃፍቲ ሞይስ ካቱምቢ 18 ሚኢታዊ ድምፂ ከምዝረኸቡ ተሓቢሩ።

ካልኦት ተናሓናሕቲ ማርቲን ፋዩሉ ሓሙሽተ ሚኢታዊ፤ ከምኡ እውን ዴኒስ ሙክዌጌ ትሕቲ ሓደ ሚኢታዊ ዝኾነ ድምፂ ከምዝረኸቡ ዘ ዋሽንግተን ታይምስ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.