Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ ሽሙ ናብ “ሜታ” ቀይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ሽሙ ናብ ሜታ ከምዝቐየረ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ጎድኒ ጎድኒ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ ‘ቨርችዋል ሪያሊቲ’ ን ካልኦት ፅላታት ቴክኖሎጅን ይኣቱ ከምዘሎ’ውን ገሊፁ።

ለውጢ ሽም ፌስቡክ ኣብቲ ትካል ዘሎ ለውጢ ዘርእይ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ለውጢ ሽም ካብ ምቕያር ብዝዘለለ፥ ኣብቲ ትካል እምበር ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ፌስቡክ፣ ኢንስታግራምን ዋትሳፕን ኣይተለወጠን።

ሓላፊ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፥ ፌስቡክ ሕዚ ዘለዎ ሽም ነቲ ኣሰራርሓን ንቐፃሊ ዝተለሞም ፕሮጀክታት ስለዘይገልፅን ናይ ሽም ለውጢ ከምዘድለየ ተዛሪቡ።

ንሓድሽ ሽም ትካሉ እንከፋልጥ “ሜታቨርስ” ዝተብሃለ ኣሰራርሓ ከምዝጅምር ዕላዊ ጌሩ ኣሎ።

ሜታቨርስ፥ ሰባት ኣብ ውሽጢ ምስ ጋህዳዊ ዓለም ዝቀራረብ ዲጂታላዊ ዓለም ኮይኖም ክሰርሑ፣ ምስ ሰባት ክዘራረቡን ጌም ክፃወቱን ዘኽእሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቅድም ክብል ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ሚስጥራዊ ሰነዳት እቲ ትካል ምቅላዕ ስዒቡ ሽም ፌስቡክ ብኣሉታ እዩ ዝልዓል ዘሎ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.