Fana: At a Speed of Life!

ፌስቲባል ጥበባትን ባህሊን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌስቲባል ጥበባትን ባህሊን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ ብዕሊ ከምዝጅመር ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሚኒሰስቴር ጉዳያ ወፃኢን ብሓባር ኣብ ዘሰናድኡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፥ ኣብቲ ፌስቲቫል ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 13 ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ከምዝኾነን ኣብቲ መርሃ ግብሪ እተን ሃገራት ንባዕለን ዘፋልጣሉ ምድላው ከምዝቐርቡን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፌስቲባል ብቐንዱ ተሳተፍቲ ሃገራት ንዓለም ዘፋልጡ ዓውደ መፅናዕቲታት፣ ዓውደ ምርኢታት፣ ስነ-ጥበባዊን ስፖርታዊን ምድላዋት ከምዝቐርቡ ኣይተ ቀጀላ ኣብሪሆም፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብግደኦም፥ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓውዲታት ብፍላይ ብባህሊ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምትእስሳር ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ፌስቲባል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብወንደሰን ኣረጋሀኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.